Credits
PERFORMING ARTISTS
Abraham Gebremedhin
Performer
COMPOSITION & LYRICS
Danial Tamere Tekle
Songwriter
Lyrics
ምግበይ ደሃየይ ስምዕዮ በጃኺ
ብዓጀባ እምነት ክአቱ አርሕውለይ ማዕፆ ልብኺ
ምግበይ እቶ'ባ በልኒ በጃኺ
መዋእለይ ምእንታን ከስተርሕው አብ መንበሪ ዙፋን ልብኺ
መከራ ናይ ሕሱም ፍቕርኺ አብ ውሽጢ ምስ አጎደ
አብ መዓሙቕ ሰራውር ደመይ ወትሮ እናነደደ
ንምንታይ ግን ፍቕረይ 'ዚ ትብሊ ትርግታ ልበይ ናሰማዕክዮ
አይ ፍጥርቲ ጓል ሰብ እንድኺ ፍቕሪ እባ ጀባ በልዮ
እሁሀይ ስዘምዓኪ የለን
እሁሀይ ብልሳንኪ ዝብሕቶ
እሁ እሁ እዋይ አብ ልብኺ እዩ ዘሎ
እሁሀይ ናይ መሰልኪ ባይቶ
ዘይከውን ተኾይኑ አይተዳህልልኒ ምግቢ በይነይ ፅልግልግ ከይበለ ናብ ገደም ምርሕኒ
ንምንታይ ግን ፍቕረይ 'ዚ ትብሊ ትርግታ ልበይ ናሰማዕክዮ
አይ ፍጥርቲ ጓል ሰብ እንድኺ ፍቕሪ እባ ጀባ በልዮ
Writer(s): Danial Tamere Tekle
Lyrics powered by www.musixmatch.com