Lyrics

ቆንጆ በዓልቲ ሃበባ ተበሃጊት ምችጭውቲ ከም ተኽሊ ህዮባ ሃመልማሎ ጎይታ ጥበብ ዘወቀባ ኣቲ እምበር 'ዶ ጓል ሰብ ኢኺ ንገርናባ ሃመልማሎየ ቅሻረትኪ መመሊሱ ይገርመናሎየ ኣምሳያ ገነት ኤዶም ሃመልሚል ቀለማ እታ ፀላም ዕንቑ ንብስኺ ኣፍሪካዊ ደማ መን እዩማ ዘይመፃባዕ ልቡ ከግዝማ ደረት ትምኒት መልክዕ ከም ፀሐይ ፈለማ ኣባኺ እንደያ ኣኽቲማ ደስ ደስ ሃመልማሎ ደስ ደስ ኣንቲ ሉል ውቅያኖስ ደስ ደስ ደስ ትብል ግርማ ኣለኪ ከም ፅህዲ ሊባኖስ ቆንጆ በዓልቲ ሃበባ ተበሃጊት ምችጭውቲ ከም ተኽሊ ህዮባ ሃመልማሎ ጎይታ ጥበብ ዘወቀባ ኣቲ እምበር 'ዶ ጓል ሰብ ኢኺ ንገርናባ ሃመልማሎየ ቅሻረትኪ መመሊሱ ይገርመናሎየ ንተኣምርዶ ይኸውን ኣምላኽ እዚ ሕያዋይ ፈጢሩኪ ከም ከኣ ሰሌዳ ሰማይ መድረኽ እተብርህ ዝተፈጥረት ፀሐይ ወይዘሪት ቅንጅና ናትኪዩ እወ ዝመድረኽ ብዘውድኺ ይመለኽ ደስ ደስ ሃመልማሎ ደስ ደስ ሃሪ ህዛባ ደስ ደስ ደስ ዝብል ሞገስ ኣለኪ ከም ንግስተ ሳባ ሃመልማሎ ኣብ ቅድሚ ቅሻረትኪ ጣቋ የብሉን መልክዕ ሞናሊዛ እታ ዓለም ዘዛረበት ብቐለም ብሩሽ ሊዮናርዶ ዝመሃዛ መፀለል መቕለበት ናይ ኣጡባትኪ መትኮብ ዒፍ ይመስላ ተዓዲለን ዕታሮ ሽምጥኺሞ ቅናት ኾይነዶ ኣንቲ ክጥምጠሞ ጓል ዓደይ ኣሽንኳይዶ ሰብ ሕልና ንዓብደልኪ ብቁንጅናኺ ተሃሚለን ኣዕዋፍኳ ዝረግፋልኪ እሰይ ሃመልማሎ ተዓዊቱልኪ መፀለሊተይ ወይ ክትፍተወካ ሃመልማሎ ኣብ ቅድሚ ቁንጅናኺ ዋጋ የብሉን መልክዕ ሞናሊዛ እታ ዓለም ዘዛረበት ብብሩሽ ቐለም ሊዮናርዶ ዝመሃዛ መፀለል ዓይንኺ ካሳቴ ብርሀን ምዕጉርትኺ ተምሳል ፍረ ሮማን ከናፍርኪ ዘን ምጭዋት ከስተማቕረንዶ ከም ሓለዋት ጓል ዓደይ ኣሽንኳይዶ ሰብ ሕልና ንዓብደልኪ ብቁንጅናኺ ተሃሚለን ኣዕዋፍኳ ዝረግፋልኪ እሰይ ሃመልማሎ ተዓዊቱልኪ መፀለሊ ላ ላ ሊ ላ ለ የ ሃመልማሎ ኣብ ቅድሚ ቅሻረትኪ ጣቋ የብሉን መልክዕ ሞናሊዛ እታ ዓለም ዘዛረበት ብቐለም ብሩሽ ሊዮናርዶ ዝመሃዛ መፀለልልልል መቕለበት ናይ ኣጡባትኪ መትኮብ ዒፍ ይመስላ ተዓዲለን ዕታሮ ሽምጥኺሞ ቅናት ኾይነዶ ኣንቲ ክጥምጠሞ ጓል ዓደይ ኣሽንኳይዶ ሰብ ሕልና ንዓብደልኪ ብቁንጅናኺ ተሃሚለን ኣዕዋፍኳ ዝረግፋልኪ እሰይ ሃመልማሎ ተዓዊቱልኪ መፀለሊተይ ወይ ክትፍተወካ
Writer(s): Elias Woldemariam, Dawit Solomon Lyrics powered by www.musixmatch.com
instagramSharePathic_arrow_out